ፍልፍል፡ ቢቢሲ ትግርኛ
ን19 ኣዋርሕ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ዝጸንሑ ሓይልታት ትግራይ ብመንጐኝነት ኬንያ ኣብ ዝካየድ ዘተ ከም ዝሳተፉ ኣፍሊጦም።
ብመራሒ ትግራይን ኣቦ መንበር ህወሓትን ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ተጻሒፉ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃን ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታን ዝርከቡዎም መራሕቲ ዝተጽሓፈ ደብዳበ፡ ሓይልታት ትግራይ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምዝርራብ ድሉዋት ከምዝዀኑ እዩ ዝገልጽ።
“ኣብቲ ብመንግስቲ ኬንያ ዝተጸውዐን ዝዳሎን ዘተ ዝሳተፍ፡ ሓላፍነትን መምርሒን ዝተወሃቦ ላዕለዋይ ልኡኽ ንምስዳድ ተዳሊና ኣለና።”
ዶ/ር ደብረጽዮን፡ ኣብ ልዕሊ ‘ታ ዘተ እተአንግድ ዘላ ኬንያን መራሒኣ ኡሁሩ ኬንያታን እምነት ከም ዘለዎም ብምሕባር እውን ኣድናቘቱ ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብወገኑ ትማሊ ንቤት ምኽሪ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኲናት ትግራይ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዝከታተልን ዝላዘብን ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ኮሚቴ ቈይሙ ከም ዘሎን ተዛሪቡ ኣሎ።
“ንሕና ደለይቲ ሰላም ኢና። ዘሎ ኣማራፂታት ሰላም ተግባራዊ ክኸውን ድልዋት ኢና፡” ኢሉ።
ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ኣብ ጉዳይ ሰላምን ምዝታይን ኣወንታዊ መግለጺታት ምሃቦም ስዒቡ፡ እቲ ሞት ኣሽሓትን ምዝንባል ሚልዮናትን ዘስዓበ ደማዊ ኲናት ብሰላም ክዛዘም እዩ ዝብል ተስፋ ሂቡ ኣሎ።
ኣብ መሰረታዊ መትከላት ሰብኣዊ መሰላት ዲሞክራስን ተሓታትነትን ዝተመስረተ ዘተ ሰላም ንምግባር ድሉዋት ከምዝዀኑ ዝሓበረ ዶ/ር ደብረጽዮን እቲ ዝርርብ ግልጽነት ክህልዎ እውን ጸዊዑ ኣሎ።
“ምስጢራዊ ስምምዕነት ንምክያድ ወይ መትከላትና ብቝሳዊ ነገራት ንምድርዳር ድሉዋት ኣይኮንናን፡” ይብል።
ብተወሳኺ ትማሊ ንማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቅድሚ ሕዚ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዀነ ዓይነት ቀጥታዊ ድርድር ከም ዘይተኻየደ ብምግላጽ፡ ምስ ምክያድ ረፈረንደም፡ ሰራዊት ትግራይን ሉኣላዊ ግዝኣት ትግራይን ካልኦትን ተተሓሒዙ ዘቐመጥዎም ቅድመ ኵነታት ሕጂ’ውን ከም ዘይተቐየሩ ኣረጋጊጹ።
ዶ/ር ደብረጽዮን ነቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዝነበሮም ሕቶ ብኸይዲ እናገደፍዎ ክመጹ ከም ዝኽእሉ ዝገልጽ ብፈረንሳዊት ጋዜጣ ዝወጸ ጸብጻብ እውን ሓሶት ክብል ነጺግዎ።
ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጄርያ ነበር ኦሊሰጎን ኦባሳንጆ ኣብ ቀረባ መዓልታት ናብ መቐለ ተጓዒዙ ምስ መራሕቲ ትግራይ ዝዘተየ ኰይኑ፡ ዋሏ’ኳ ነቲ ጐንጺ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ዝደንጐየ፡ እንተዀነ ቀጻሊ ዝዀነ ምዕባለ የርኢ ከምዘሎ ተዛሪቡ ነይሩ።
ነቲ ፍሉይ ልኡኽ ተቐቢሉ ከም ዘዘራረበ ኣብ ደብዳበኡ ዝገለጸ ፕረዚደንት ደብረጽዮን፡ ሕብረት ኣፍሪቃ እቲ “ኲናትን ዝተፈጸሙ ገበናትን” ብዝምልከት ስቕታ መሪጹ ክብል ወቒሱ፣ “እቲ ላዕለዋይ ልኡኽ ንቐዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዘለዎ ቅርበት እውን ህዝብና ዘየስተውዓሎ ኣይኮነን፡” ክብል ሕጉስ ዘይምዃኑ ኣአንፊቱ ኣሎ።
ኣብ ርእሲ’ዚ፡ “ንሰላም ኢልና ተወሳኺ ርሕቀት ንምኻድ ድሉዋት ምዃንና ብድኽመትን ስሰዐን መትከላቶም ክገድፉ እዮም ዝብል ግጉይ ርድኢት ከይፈጥር” ክብል ከኣ ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ኲናት ብፍላይ ኣብታ ኣብ ዘይወግዓዊ ዕጽዋ ዘላ ትግራይ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዓበ ክኸውን እንከሎ፡ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ምእንቲ ክኣቱ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ሰብኣዊ ውዕል ምቁራጽ ተዅሲ ምግባሮም ዝዝከር እዩ።
እንተዀነ፡ ዋላ’ኳ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ንስለሰብኣዊ ረዲኤት ክብሉ ግጭት ደው ንምባል እንተ ተሰማምዑ፡ እቲ ዝዕደል ረዲኤት ኣብ ሰሜን ኢትዮጲያ ንዘለዉ ተጸበይቲ፡ ዛጊት ብእኹል መጠን ክባጻሕ ኣይከኣለን። ጠንቂ እዚ ድማ ህወሓትን መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም እዮም።
ካብ ቀረባ ሰሙናት ግን እቲ ናብቲ ክልል ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝ ርኡይ ምምሕያሽ ከም ዘርኣየ ጸሓፊ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ እዩ።