• Home
  • News
  • Current Information
  • Video & Audio
  • Articles
  • Archive
  • Support Us
  • LIVE
  • ቋንቋ
    • ትግርኛ
    • አማርኛ
What's Hot

Open Letter from the President of the Government of Tigray on peace talks

June 15, 2022

Prof Mitiku Haile won the 2021 GCHERA World Agriculture Prize Laureate

June 15, 2022

መንግስቲ ትግራይ ኣብ ኬንያ ናብ ዝካየድ ዘተ ላዕለዎት ተወከልቲ ከምዝልእኽ ኣፍሊጡ

June 15, 2022
Atranos Media
  • Home
  • News
  • Current Information
  • Video & Audio
  • Articles
  • Archive
  • Support Us
  • LIVE
  • ቋንቋ
    • ትግርኛ
    • አማርኛ
Atranos Media
Home » ኣብ ትግራይ ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ተሌቪዥን ትግራይ ተኣሲሮም
News

ኣብ ትግራይ ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ተሌቪዥን ትግራይ ተኣሲሮም

June 14, 2022No Comments2 Mins Read

ፍልፍል፡ ቢቢሲ ትግርኛ

ሓደ በዓል ሞያ ሒሳብ ዝርከቦም ብውሕዱ ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ምንጭታት ቢቢሲ ኣረጋጊጾም።

እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ጋዜጠኛታት እቲ ትካል፡ ምስግና ስዩም፣ ሓበን ሓለፎም፣ ሃይለሚካኤል ገሰሰ፣ ተሾመ ጠማለውን ዳዊት መኮነንን ዝበሃሉ እዮም።

ካልእ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ በዓል ሞያ ፋይናንስ፡ ክፍሎም አፅብሃ ከምዝርከቦም እቶም ምንጭታት ወሲኾም ሓቢሮም።

ብፍላይ ኣርባዕተ ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ጋዜጠኛታት ንኣስታት ክልተ ሰሙን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣቲዮም እኳ እንተጸንሑ፡  ዛጊድ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡ ይዝረብ። እቲ ሓደ ኣብ ቀይዲ ካብ ዝኣቱ ሻድሻይ መዓልቱ ኣቑጺሩ ኣሎ ተባሂሉ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት መሻርኽቱ ዀይኑ ንከተማ መቐለ ኣብ ዝተቖጻጸረሉ እዋን፡ ምስ ውድብ ብልጽግና ተሓባቢርኩም ብዝብል ጥርጣረ ከም ዝተኣስሩ መሳርሕቶም ይዛረቡ።

እዚ ብዝምልከት፡ ዓቃቢ ሕጊ ከተማ መቐለ ኣዲስ ገብረስላሰ ምስ ቪኦኤ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ እቶም ጋዜጤኛታት ብሰንኪ ሞየኦም ዘይኮነስ ‘ብኻልእ ገበን ተጠርጢሮም’ ከምዝተኣስሩን ጉዳዮም ኣብ ምጽራይ ከምዝርከብን ኣረዲኡ።

ኣብዚ ጉዳይ ካብ ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ወይዘሮ ሊያ ካሳ ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፈተነ ኣይሰመረን።

ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተው፡ ምስግና ስዩምን ተሾመ ጠማለውን ምስ’ቲ ትካል ቴሌቪዥን ክሰርሑ ዝጸንሑ ዀይኖም፡ ሓበን ሓለፎም፣ ሃይለሚካኤል ገሰሰን ዳዊት መኮነን ድማ፡ ቅድም ኢሉ ‘ብገምጋም’ ተኣጊዶም ከም ዝፀንሑ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ካብቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ጋዜጠኛታት ሓደ ዝዀነ ሓበን ሓለፎም፡ ኣብ ትግራይ ግዝያዊ ክልላዊ ምምሕዳር ኣብ ዝቖመሉ እዋን’ውን ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ኣብ ቀይዲ ኣቲዩ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ቴሌቪዥን ትግራይ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ንዝተወሰነ እዋን ኣገልግሎቱ ተቛሪጹ ዝነበረ ዀይኑ፡ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ብዝተገበረሎም ጻውዒት መሰረት ስራሕ ጀሚሩ ምንባሩ ይዝከር።

BBC ትግርኛ
Previous Articleቅዋም መንግስቲ ትግራይ ኣብ ምዕራብ ትግራይ
Next Article Concurrent Crises in the Horn of Africa

Related Posts

Open Letter from the President of the Government of Tigray on peace talks

June 15, 2022

Prof Mitiku Haile won the 2021 GCHERA World Agriculture Prize Laureate

June 15, 2022

መንግስቲ ትግራይ ኣብ ኬንያ ናብ ዝካየድ ዘተ ላዕለዎት ተወከልቲ ከምዝልእኽ ኣፍሊጡ

June 15, 2022

Ethiopia forms body to negotiate with rebellious Tigray forces

June 14, 2022
Add A Comment

Leave A Reply Cancel Reply

Latest

Open Letter from the President of the Government of Tigray on peace talks

June 15, 2022

Prof Mitiku Haile won the 2021 GCHERA World Agriculture Prize Laureate

June 15, 2022

መንግስቲ ትግራይ ኣብ ኬንያ ናብ ዝካየድ ዘተ ላዕለዎት ተወከልቲ ከምዝልእኽ ኣፍሊጡ

June 15, 2022

Statement to the Human Rights Council on Eritrea

June 14, 2022

Atranos media is based in the UK in London and legally registered in the company’s house on 19th April 2019.

Other Links
  • About Us
  • Contact Us
  • Support Us
  • Archive
  • LIVE
CONNECT WITH US

Download our App
© 2023 Atranos Media

Type above and press Enter to search. Press Esc to cancel.

Share

Blogger
Delicious
Digg
Email
Facebook
Facebook messenger
Google
Hacker News
Line
LinkedIn
Mix
Odnoklassniki
PDF
Pinterest
Pocket
Print
Reddit
Renren
Short link
SMS
Skype
Telegram
Tumblr
Twitter
VKontakte
wechat
Weibo
WhatsApp
Xing
Yahoo! Mail

Copy short link

Copy link